ሰራሕተኛታት ነብቅዕ ጥምረት እታዎታት ዓቅሚ © FES ኢትዮጵያ ናይ ቅዳሕ መሰሉ ብሕጊ ዝተሓለወ እዩ። ስትራቴጂ ርክብ ብ፡ Unbox Marketing www.unbox-marketing.com መብራህርሂ ብአለማየሁ ተፈራ(አሌክስ) 2024 Teferaalex4@gmail.com አብ ሕድሕድ ዕውታውን ፅቡቕ ናይ ስራሕ ቦታን ዘይከሓድ ናይ ሰራሕተኛታት ዓቕሚ፣ዝተደራጀወ ሰራሕተኛ፣ፋትሓዊ ኣሰራርሓን ርኡይ ዕብየትን ኣሎ። እዚ ጥምረት እታዎታት ዓቅሚ በቢ ቦትኡ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ናይ ሓባር ዓቕሞም ብምጥቃም ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንክሸጋገሩ ከም መርኣያ ዝተሰናድአ እዩ። ሰለዚ ከምኒ ሓረግ፣ ገመቺስ፣ ቢንየምን ሓያትን ዝኣመሰሉ ሰራሕተኛታት መምሃራይ ታሪኾም መሰረት ብምግባር ሰራሕተኛታት ዘለውዎም ዝተፈላለዩ ዓቕምታት ብምጥቃም ለውጢ ከምፅኡ ከምዝኽእሉ ክንርኢ ኢና። እዚ ጥምረት እታዎታት ዓቕሚ ዝሐሸ ናይ ስራሕ ውዕሊ ንምድርዳር፣ ማሕበረሰብ ንምልዕዓልን ኣብ እስትራቴጂካዊ ተግባራት ንምስታፍን ዘኽእል ዓቕምን ብልሓትን የቕርብ። ኣብዚ ዝተዘርዘሩ ሓሳባት ተወሳኺ ዓቅሚ ካብ ምዃን ሓሊፎምመሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእን ኣብ ከባቢና ዘሎ ዓቕሚ ብኣግባቡ ንክንጥቀምን ምልዕዓል ይፈጥር። ፍልጠት ተዓጢቕና፤ ብሓድነትን ብቖራፅነትን ለዉጢ ንምምፃእ እዚ ጥምረት እታወታት ዓቕሚ ክንርዳእ ይግባእ። ንሓረግ ተላለይዋ፤ ኣብ ትካል ታክሲ ራይድ ላዕለዋይ ተቖፃፃሪት ዕለታዊ ምንቅስቓሳት ኮይና እተገልግል በዓል ሞያ IT እያ። መዋቕራዊ ጥንካረኣ ኣብ ስራሕ ቦታን ኣብ ዕዳጋን ካብ ዘለዋ ፍሉይ ክእለት ዝተበገሰ እዩ። እዚ ብቕዓታ ድማ ዝሐሸ ናይ ስራሕ ኩነታት ንክህሉ ክትሓትት የኽእላ። ንገመቺስ ተላለይዎ፤ ገመቺስ ኣብ ፋብሪካ ጠርሙዝ ናይ መዐሸጊ ክፍሊ ይሰርሕ። ገመቺስ ምስ መሳርሕቱ ንመሰላቶምን ንዝሓሸ ናይ ስራሕ ሃዋህዉን ንምቅላስ ቆሪፆም ተላዒሎም ኣለዉ። ቢንያም ተላለይዎ፤ በዓል ሞያ ሕርሻ ዕምበባ ዝኾነ ቢንያም ማሕበረሰቡ ኣብ ምትእስሳር ንፉዕ እዩ። ንማሕበር ሰራሕተኛታት ድጋፍ ንምርካብን ዝሐሸ ናይ ስራሕ ሃዋህው ንኽህሉ ንምሕታትን ምስ ካልኦት ማሕበራት ሓቢሩ ክሰርሕ ምኽኣሉ ዝሓሸ ተፅዕኖ ክፈጥር ኣኽኢልዎ እዩ። ሓያት ተላለይዋ፤ ሰራሕተኛ ፋብሪካ ጨርቃመርቅን አባል ማሕበር ሰራሕተኛታትን ዝኮነት ሓያት ቅድም ክብል ፍሉይ መሰላታ ንምርካብ ናይ ማሕበር ሰራሕተኛታት ድጋፍ ረኺባ እያ። ጠንካራ ሕጋዊ መምርሒ ብዘለዎ ቤት ፍርዲ ዝግበረላ ድጋፍን ብዝተዘርገሐ ሓበራዊ ናይ ድርድር ስርዓትን መሰረት ኣብ ትካላ ዘለዋ ስልጣን ክተረጋግፅ ኪኢላ እያ። ምንጭታት ዓቕሞም እንታይ እዮም? ንሳቶም ንምርካብ ፃዕሪ ይግበሩ! ትንታነ SWOT ገመቺስን መሳርሕቱን ሓበራዊ ዓቕሞም ንምጥቃም ዘለዎም ጥንካረ፣ ድኽመትን ዕድላትን ከምኡ ውን ስግኣት ድሕሪ ምግምጋሞም ናይ ወናኒ እቲ ትካል ዕዉትነት አብ ሰራሕተኛታቱ ከም ዝድረኽ ተረዲኦም ኣለዉ። ምስጋር ዕንቅፋታት ሓያት ተሟጓቲት ስርዓተ ፆታ እያ። ኣብቲ ምስሊ ከምዝረአ ውክልና ስርዓተ ፆታ ብዝምልከት ዕብየት ከተዓናቕፍ ዝኽእል ናይ መስርሕ ፀገም አሎ እዚ ንምፍታሕ ድማ ቀጥተኛ ዝኾነ መዋቕራዊ ለውጢ ክግበር ኣለዎ ትብል። ስትራቴጂካዊ መምርሒ ትልምታት ሐረግ ንቕድሚት ንምስጓም፣ተሓታታይነት አመራርሓ ንምስፋንን ፃዕርታት ማሕበር ሰራሕተኛታት ንምትእስሳርን ግልፂ ዝኾነ ዓላማን ትልምን ምንፃር ኣድላዩ እዩ ትብል። መርበባት ርክብ ቢንያም ኣብ ስራሕ ቦታ ዝደለዮም ወሰንቲ መረዳእታታት ንምርካብ ስለ ዝተፀገመ አድላይነት ጠንካራ መርበባት ረክብ ኣብ ስራሕ ቦታ ይርዳእ። እዚ ድማ ሓባራዊ ተግባራትን ምንቅስቃሳትን ንምዕባይ ዕዙዝ ድጋፍ የበርክት። ቀዳምነት ምሃብን ክትትልን ቡዙሕ ግዘ ሰባት ቅሬታታት እንተቅርቡ ኩርዓት እናተሰመዖም እዩ ይኹን ደአምበር ትኽክለኛ ዓወት ዝርከብ ተፈፃምነት እዞም ቅሬታታት እንትነረጋግፅ እዩ ምኽንያቱ ድማ ብዙሓት ቅረታታት ሸለል ተባሂሎም ንጎኒ ክግደፉ ምርኣይ ልሙድ ስለዝኾነ። ሰለዚ ድማ ዉፅኢታዊ ንምኻን ቀፃላይነት ዘለዎ ክትትል ተፈፃምነት ወሰንቲ ተግባራት ኣድላዪ እዩ። መልእኽታት ቅስቀሳ ሓያት ብ ሓፀርቲ ፣ መእመንትን መነቓቓሕትን ናይ ቅስቀሳ መልእኽትታት ዕውቲ እያ። ነዋሕትን ግልፂ ካብዘይኮኑን መልእኽትታት ሓፀርትን ግልፅን ዝኾኑ መልእኽትታት ብዝሐሸ መልክዑ ናይ ሰራሕተኛታት ሕቶ ከንፀባርቁ ከመዝኽእሉን ሰፊሕ ናይ ማሕበረሰብ ድጋፍ ከም ዝረኽቡን ትኣምን። ሰንጠረዥ ካርታ ቢንያም ዋና ተዋሳእቲ ጉዳይ ሰራሕተኛታትን መዳርግቲ ኣካላትን ንምፍላይ ንከኽእሎ ናይ ስራሕ ቦታ ካርታ አዘጋጂዉ ኣሎ።እቲ ክልውጦ ዝሓሰቦ ስርዓት ምልላይን ምስ ግዳማዊ ተፅዕኖታት ዘለዎ ርክብ ክርዳእ ምኽኣሉ ንፁር ዝኾነ እስትራቴጂ ንምሕንፃፅ ወሳናይ ምዃኑ ተገንዚቡ እዩ። ሜላን ብልሓትን ሰራሕተኛታት ገመቺስን መሳርሕቱን እዋናዊ ኩነታትን ሰፊሕ ዓቕሚን እቲ ትካል ብምርዳእ ንድርድር ተቐሚጦም አለዉ። ብዛዕባ እቲ ትካል ዓሚቕ መረዳእታ ምሓዞም ብወናኒ እቲ ትካል ንዝበፅሖም ፅዕንቶ ብመረዳእታ ተደጊፎም ንክምጒቱ የኽእሎም። ሓባራዊ ድርድር ሐያትን መሳርሕታን ንድርድር ውዕሊ ምስ አቲ ትካል ተራኺቦም ኣለዉ። ብዛዕባ ኣሰራርሓን ኩነታት ኢንዳስትሪን እቲ ትካል ብዝግባእ ዝተረደአ ማሕበር ሰራሕተኛ ዉፅኢታዊ ዝኾነ ናይ ሓባር ድርድር ንምግባር ዘሐሸ ዕድል ከም ዘለዎ ተረዲኦም ኣለዉ። መደራደሪ ነጥብታት ከም ተወካሊ ሰራሕተኛታት ቢንያም ወሰንቲ ጉዳያት ሰራሕተኛታት በቢ ደረጀኦም ኣቕሚጥዎም ኣሎ። ክልቲኦም ማለት እውን ተወከልቲ እቲ ትካልን ማሕበር ሰራሕተኛን እቲ ድርድር ብዙሓት ጉዳያት ከም ዘካትት ኣሚኖም አለዉ። ስለዚ ድማ ኣብ መንጎ እቲ ትካልን ማሕበር ሰራሕተኛን ኣብ ዝግበር ድርድር ኣብ ፍትሓዊ ስምምዕ ንምብፃሕ ግልፂ ዝኾነ ምይይጥ አድለዪ እዩ። ድርድራት ምርታዕ ሓረግ ኣባላት ማሕበረሰብ፣ኣመራርሓ፣ናይ ሲቪል ማሕበራትን ናይ ሰራሕተኛ ማሕበራትን ዘሳተፈ ውፅኢታዊ ድርድር ክተካይድ እያ።እዚ ፃዕራ ድማ ኣብ ልዕሊ ዉሳነ ወሃብቲ ኣካላት እቲ ኩባንያን መንግስትን ፅዕንቶ ብምፍጣር ድልየታት ሰራሕተኛ ክማልኡ አብ ምግባር ዝዓለመ እዩ። ሜላታት ኣድማ ገመቺስን መሳርሕቱን ሕብረት ሓይሊ ምዃኑ ይኣምኑ። ስለዚ እዩ ድማ ካልኦት መማረፂ መንገድታት ዕሽሽ እንትበሃሉ ሕቶኦም ንምልዓል ስራሕ ጠጠዉ ናይ ምባል ኣድማ ከም ብሕታዊ መማረፂ ዝተጠቐሙ ዓላምኦም ድማ ኣመራርሓ እቲ ትካል ንሕቶታት ሰራሕተኛ ኣፍልጦ ክህብ ምግባር እዩ። ምሕንፃፅ ውዕሊ ስራሕ ከም ወኪል ሰራሕተኛታት ኣብ ምሕንፃፅ ውዕሊ ስራሕ ግልፂ ቃላት ምጥቃም ዓብዪ ፋይዳ ከም ዘለዎ ገመቺስ ተረዲእዎ ኣሎ። እዚ ግልፅነት መሰላት ሰራሕተኛ፣ ስራሕ መረከቢ መዓልትታትን ካልኦት ጉዳያትን ብዝርዝር ካብ ምግላፅ ሓሊፉ ንኹሎም ወገናት ዝውክልን ኣብ ሓዲኦም ክበፅሕ ንዝኽእል መድልዎ የወግድ። ፍልፍል ዓቕሞም ነፂሮም ፈሊጦም'ዶ